OQTF - ካብ ሃገረ ፈረንሳይ ናይ ምውጻእ ትእዛዝ

OQTF ዝወሃቦ ሰብ ኣብ ፈረንሳይ ‘’ዘይፍለጥ’’ ጉዳዩ ብናይ ኣውራጃ ቤት ጽሕፈት ምስተነጸገ፣ ወይ ከኣ ብፖላይስ መንነቱ ምስተጻረየ፣ ዘይሕጋዊ ኾይኑ ኣብ ፈረንሳይ ንዝነብር ሰብ ኢዩ። እዚ ማለት ከኣ፣ ካብ ሃገረ ፈረንሳይ በቲ ዝተበሓልኩሞ ዕለት መገድኹም ባእልኹም ኣዳሊኹም ክትወጽኡ ይግባእ። ነዚ OQTF ይግባይ ክትብሉ ትኽእሉ ኢኹም ግና ኣብ ዝተወሰነ ግዜ ክተገብሩዎ ይግባእ (48 ሰዓታት ወይ 30 መዓልቲታት)። OQTF ምስ በጽኸኩም ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ሕጋዊ ምዕዶ ክትረኽቡ ኣለኩም - ምስ ሌጋል ሼልተር (ካሌ) ወይ ከኣ ላ ሲማድ (ደንከርክ) ተራኸቡ። 

3 ዓይነት OQTF 

ካብ ፈረንሳይ ንክትወጽኡ 48 ሰዓታት ኣለኩም - OQTF ብፍቓድካ ንምውጻእ፣ ፍሉይ ግዜ ዘይብሉ ካብ ሃገረ ፈረንሳይ ንክትወጽኡ 30 መዓልትታት - ክልተ ዓይነት - OQTF ብፍቓድኩም ናይ ምውጻእ ፍሉይ ግዜን ዑቕባ ምስ ተነጸግኩም OQTF እንድህሪ ተዋሒቡኩም። 

ናይ ይግባይ ግዜ ገደብ 

48 ሰዓታት OQTF- ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ይግባይ ክትብሉ ኣለኩም ዑቕባ ንመወዳዕታ ግዜ ምስተነጸገ OQTF - 15 መዓልቲታት ይግባይ ንምባል OQTF ብፍቓድኩም ናይ ምውጻእ ፍሉይ ግዜ - 30 መዓልቲታት ይግባይ ንምባል 

ካብ ሃገረ ፈረንሳይ በቲ ክትወጽኡ ዝግብኣኩም ግዜ እንተደኣ ዘይወጻእኹም - ኣብ ኣብ ቀይዲ ወይ ከኣ ናይ ምንቅስቃስ ገደብ ተጌሩልኩም OQTF ካብቲ ዝተዋሓበኩም ግዜ ን 1 ዓመት ክትጸንሁ ትኽእሉ። 

በይኖም ዝጓዓዙ መንእሰያት - ኣብ ትሕቲ OQTF ንክጸንሁ ኣይምልከቶምን። 

OQTF ምስ IRTF (ናብ ፈረንሳይ ንከይትምለሱ ገደብ) 

- ነዚ ውሳነ ይግባይ ክትብሉዎ ትኽእሉ። ብናይ OQTF ግዜ ገደብ መሰረት ክኸውን ኣለዎ (48 ሰዓታት፣ 15 

ወይ 30 መዓልትታት) 

IRTF ተዋሒብኩም እንተደኣ ኔርኩምን OQTF ግዜ ገደብ እንድህሪ ሓሊፉ፣ ንኣብነት በቲ ካብ ሃገር ውጽኡ በቲ ዝተበሓልኩሞ መሰረት እንተደኣ ዘይወጻእኹም - ይግባይ ትብሉሉ ግዜ 15 መዓልትታት ኢዩ። እዚ ወረቐት ሓበሬታ ዝተዳለወ ካብ ላ ሲማድ ብዝተረኽበ ሓበሬታ መሰረት ኢዩ - http://www.psmigrants.org/site/wp-content/uploads/2018/11/FICHE-REFLEXE_OQTF.pdf እዚ ወረቐት ሓበሬታ ሕጋዊ ምዕዶ ክኸውን ኣይክእልን፣ ሕጋዊ ምዕዶ ኩልሻእ ካብ ጠበቓ ክትሓትቱ ኣለኩም 

This page is run by the UK registered charity, Refugee Info Bus - for more info on our work, check out our website. 

PO BOX:  Po Box 28652, Edinburgh, EH4 9EX

Registered UK Charity Number: 1168538

  • Facebook
  • Twitter
  • Instagram